top of page
Writer's pictureZulaNetwork.com

ወግዒ መንእሰይ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ

ክልተ ወርሓዊት መጽሔት ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ መጋቢት 2021 ቁ.67



“እዚ ዝካየድ ዘሎ መኸተ፡ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ መን

ወዲብዎ? መን ኣልይዎ? መን መሪሕዎ እንድሕር ኢልካ

እቲ መንእሰይ እዩ


“እዚ ኹሉ መንእሰይ ኣብ ግንባራት ዘሎ፡ እዚ ኹሉ ጸገም ተጻዊሩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ዘይንገር

ተኣምራታት ዝሰርሕ ዘሎ መንእሰይ ንዕኡ ብጸግዒ ገዲፍካ ነቲ በጻብዕ ዘይቁጸር በትኪ፡ ዝሃደመ፡



ዝሓመቐ ንዕኡ ከም ኣብነት እናወስድካ ንኹሉ መንእሰይ ብኸምኡ ክትመዝኖ መሰረታዊ ጌጋ እዩ።”

“ከም መንእሰይና ዝዓበየ ተመኩሮ ዝረኸበ መንእሰይ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ይትረፍ ኣብ ኤውሮጳ እውን

የልቦን።”


“ንመንእሰይ ፍልጠት ሓደ ካብ መሰረታዊ ህይወቱ እዩ።

ጽባሕ ንግሆ ምእንቲ ዕዳ ከይኮነካ፡ ግዜ እንከለካ ፍልጠት ናይ

ምውህላል ዕድል ኣይተጥፍእ እየ ዝብሎ።”

“ቀጻሊ ፍልጠት ወስኽ፡ ፍልጠት ወስኽ ክብለካ ከለኹ፡ ኣበየናይ ደረጃ እዩ እቲ ባህግኻ እንተ ኢልካኒ፡ ደረት የብሉን

ባህጊ ናተይ።”

“ኪንዮ ኣድማስ ክትርኢ ከለኻ፡ ከምዚ ክኸውን ኣለዎ

ንእትብሎ ነገር ናብኡ ክትበጽሕ ምእንቲ፡ ትሰርሕ።.... እምበር ብሕልሚ ነፊርካ ናብኡ ክትብጽሕ ኣይትኽእልን ኢኻ።


“መንእሰይ ብሰለስተ ኩርናዕ ወይ ዳይመንሽን ክርኢ ክኽእል

ኣለዎ። ልዕሊ ኹሉ ኸኣ ፍልጠት ቀሲሙ፡ ሞያ ወይ ክእለት ሃልይዎ፡

ኣብ መወዳእታ ብደረጃ ስነ-ምግባር (Ethics) ኣብ ዝለዓለ ክብርታት

ክበጽሕ ክኽእል ኣለዎ። ኩሉ’ዚ ድማ ባዕሉ ሰሪሑ ከምጽኦ ዘለዎ ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ። መንእሰይ ባዕሉ እዩ ክወርስ ዘለዎ።”https://shabait.com/2021/03/16/menesey-march-2021/

15 views0 comments

Recent Posts

See All

Comments


bottom of page