top of page
Writer's pictureZulaNetwork.com

ብዛዕባ ወፍሪ ኣብ ብርክታት ብሓፈሻ ኣኼባ ብዛዕባ ትካል DANAKAL

ርክብ መርበብ "ፈንቅል" ለንደን፡

8-3-2020


"ፈንቅል" ብዝብል ስያመ ተጠርኒፋ፡ ኣብ ዝሓለፈ መድረኽ መኸተ-ኣንጻር-ተጻብኦታት ሓያል ተበግሶታት እንዳወሰደት ኣበርክቶ ዝገበረት መርበብ ግዱሳት ዜጋታት፡ ትማሊ ሸሞንተ መጋቢት ኣስታት 30 ኣባላታ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኣካይዳ። እዚ ርክብ፡ ኣብዚ ሓድሽ መዋእል ሰላም ተራ እዚ ጥርናፈ ንምንጻር ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ።



እዚ ኣብ ቤ/ጽ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ዝተቓነዐ ርክብ፡ ብጻይ ቴድሮስ ጎይትኦም (ሓ/ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት)፡ ኣብ'ዚ ተኣትዩ ዘሎ መድረኽ ሰላም፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ተኸፊቱ ዘሎ ዕድላት ወፍሪ በብጽላቱ ከምኡ'ውን ዘለዉ ሃገራዊ ብልጫታትን ብድሆታትን ዘጠቓለለ ዝርዝር መግለጺ ኣቕሪቡ። ንዝሰዓበ ርእይቶታት ብምስማዕ፡ ዝቐረቡ ሕቶታት መሊሱ።



ሚስተር Elliot Stanley ወኪል Pelo Capital ዝተባህለ ትካል(Stock Brocker)፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ ተረኺቡ፡ ብዛዕባ ወፍሪ ኣብ ብርክታት ብሓፈሻ፡ ኣገባባት ዕድጊ ብርክታት፡ ክማላእ ዝግባእ ረቛሒታትን ኣመልኪቱ ዘርዚሩ። ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረበሉ ሕቶታት ተቐቢሉ ሰፊሕ መረዳእታ ዝሃበ መልሲ ኣቕሪቡ። ኣፍልጦ ንምዕባይ ሓጋዚ ዝኾነ ጽሑፋት ከኣ ዓዲሉ።



ኣብዚ ኣኼባ ብዛዕባ ትካል DANAKALI፡ ገስጋስን ንጥፈታት እቲ ኩባንያ፡ ዕቑር ጸጋታት ፖታሽዩም ኩሉሊ ኣብ ኤርትራን ዘርኢ ሓጺር ቪድዮ ብምርኣይ ዘተ ተኻይዱ። ኩባንያ DANAKALI ኣብ London Stock Exchange ተመዝጊቡ ብምህላዉ ዜጋታትና፡ ዝግባእ መጽናዕቲ ብምግባር ተረባሕቲ ኪኾኑ፡ ጎስጓሳት ክሕይል ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ።


ኣባላት ፈንቅል፡ ኣብ ዝሰዓበ ዘካየድዎ ዘተ፡ ነዚ መርበቦም፡ ናብ ናይ ቁጠባን ወፍርን ጥርናፈ ብዝሰፍሐን ዝተወደበ መልክዕ ንምምዕባሉ፡ ተረዳዲኦምን፡ ወርሓዊ ገንዘባዊ ዋህላል ንምግባር ስልዒት ወሲኖም። ኣብ መወዳእታ ነዚ ንጥፈታት ተወሃህድ ሰለስተ ዝኣባላታ ሽማግለ መዚዞም፡ ቀጻሊ ርክባት ብምርድዳእ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።


ዓወት ንሓፋሽ!

Eritrea Thedros

15 views0 comments

Recent Posts

See All

Comments


bottom of page